ዓዳማይ መኽበሪ
ኣብታ ህድኣት በይነይ
ብርግኣተይ ርግእቲ
ዓዳማይ ኮይነ፣
ዓዳማይ መኽበሪ
እንተተማሓርኪ፣ ነብስኺ እንተረኸብኪ
"ጽቡሕ ስቡሕ" ኢለ፣ እናተጸበኩኺ
እንካብ ዘይመጻእኪ…
እንታይ ክብለኪ ትጽበይ?
"ኣድጊ ንዝገበርካ ግበር ጠይቂ"
ወይ'ስ
"ይቕረ በል! ልቢ ኣዕቢ"?
ባዕልኺ ውሰዲ፣
መሪጽኪ ኣልዕሊ
ትፈልጥያ እንዲኺ
ኣየነይተን ከም እትግባኣኪ።
ስዒድ ሳልሕ
02-04-2011
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem