ኣብ ምብጻሕ ገዛኻ!
ኣዕንቲ ኣቦኻ
ዝጽሮሮ እኩብ ንብዓት እኳ እንተመሰለ'
ግዳ ኣብቲ ንብዓት 'ሲ ገለ ነገር ርእየ
ንብዓት ብንብዓቱ…
ናይ ነገር ወላዲ እንታይ ከም ምዃኑ
መዓስ ጀሚሩ
መዓስ ከም ዝዛሪ…
መዓስ ፈሊሙ መዓስ ከም ዘብሪ…፣
ነገር ሕቶ ኮይኑ'ኒ፤
መሬት ጻሕቲረዮ
መልሲ እንተኾነኒ ልበይ ንዝደልዮ፤
መንድኣ'ሉ ቦታኻ ክተከኦ
ሹዑ ይመርር
ዘይምህላውካ ብጥቕሉሉ…!
ኣነ'ውን እምበኣር…
ኣብዛ ጸልማት ክፍሊ፣ መንፈስካ ዝነብረሉ
እንሀልኩ'ኻ
ኣብ ውሽጠይ ፈሲሰ
ብተስፋ ምጽኣትካ
ወጊሑ ክጽበ….
ክሳብ ምህላውካ ኣኺሉ ዝተርፍ …
ብሕሉፍ ዝኽርኻ እነኹ እረግፍ!
ስዒድ ሳልሕ
27-02-2011
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem