ጀበና በ ጀበና!
ኣብ ጥቓ'ቲ እንሰፍረሉ
ቤትና ዘይኰነ ስድራና ዘይብሉ
እንዳ ቡን ኣሎ
ኮፍ ኢልና ንጸውየሉ
ግዜ እንተኸደልና
ሃፍ ኢሉ በሪሩ
ክሳዕ እንኸይድ ፕሮስስና ኣኺሉ
ቡን ኢና ንሰቲ፡ ወጊሑ ጸቢሑ
"ጀበና በ ጀበና" እያ ትብለና
ንሳ'ውን ግዜ ክሃድመላ
ፕሮሰሳ ክሳዕ ዝኣኽለላ
እንሀለና- ክልተ ጎርሓት ኰይናን
ሓሙኽሽቲ ስኒቕና፡
እናተመላለስና ንብል ኣለና
ጀበና በ ጀበና!
ስዒድ ሳልሕ
24/02/2013
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem