ጡጥ ኩሉ ግዜ ጡጥዩ Poem by Abrahaley Habte

ጡጥ ኩሉ ግዜ ጡጥዩ

ጡጥ ኩሉ ግዜ ጡጥዩ
ጸሊም ይኹን ወይ ድማ ጻዕዳ
ጻዕዳ ከም ወረቐት
ወይ ድማ ከም ብርሃን ገዛ
ከሰል ድማ ከሰልዩ
ጻዕዳ ሕብሪ ይለኸ ወይ ድማ ጸሊም
ጸሊም ከም ሕብሪ ጸልማት
እቲ ኣዝዩ ዘገድስ እቲ ቁምነገር
ከሰል ክነድድ ይኽእል ድዩ?
ድሕሪኡ ድማ ሙቐት ክልግስ?
ጡጥከ ክእለም ይኽእል ድዩ?
ዘምዉቕ ክዳን ክኸውን?
እቲ ኣገዳሲ እዚዩ -
ናይ ጸሊም ጻዕዳ ምዃን ኣይኮነን
11 ለካቲት 2016

This is a translation of the poem Cotton Remains Cotton by Abrahaley Habte
Sunday, February 14, 2016
Topic(s) of this poem: racism
COMMENTS OF THE POEM
Close
Error Success