ኣነ'የ ምበኣር ከምዚ ዝግበርኩኻ?
ሎሚ ምሽት ሓንቲ ፍልይቲ ዕለት
እንትርፎ ኣብ ቀትሪ
ረኺበካ'ኳ ዘይፈልጥ ኣብ መኣዲ
እንተ'ስ ብስራሕ
እንተ'ስ ብባህሪ…
ነገር ህይወት ከይተርፎ ምዃኑ ኣጋጣሚ…
ኣዒንተይ ምስ ኣተኩርኩ….ብወዝቢ
ኢድካ ተዓዚበያ…
ግናዓ ናብ ምብራቕ
መላግቦ ብርካ፡ ናብ ምዕራብ
ምስ ተዓዝበኩ…
ኣብ ኣፈይ ዝነበረ እኽሊ
እንቛዕ'ካ ኣይቀተለኒ…
ግዳ…
ሞት'ሞ እንታይ ይፈርህ፣
ከምዛ ድቃስ እንደኣሉ ዝጽቅጥ
ምንባር እንከሎ፣
ኩርንዒት ዝዘብጥ
ከም ዕፉን እናገላበጠ ዝጠብስ…
ካብ ጣዕሳይ'ሞ
እንታይ ከይህሉ ተመላሳይ…?
ግዳ…ኣነ'የ `ምበኣር ከምዚ ዝገበርኩኻ
ሕርቓን ምስ መለኸኒ…
ብኣካል'ዘዝሓልካኒ
እንሆ'ኳ ኢድካ ምስክር ትኾነኒ
ኣየ ወላዲ…ዘይተፋራዲ!
ኣነ ግን
ክነብዓሉ'የ ግብረይ…
ንስኻ ግን ከም ወትሩ
ኣይተሓዘለይ!
ስዒድ ሳልሕ
17-02-2011
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem