'ናጻ'የ ብናጽነተይ'
ሃገር ኣላትኒ፣ ሃገር ምድርን ባሕርን
መሰል ኣለኒ፣ መሰል ዜጋን ሰብን
ሕጊ'ውን ኣለኒ፣ ሕጊ ሕልናን ባህርን
ናጻ'የ፣ ብ ናጽነተይ
ናጻ'የ፣ ስለ ናጽነተይ
ናጻ'የ፣ ምእንቲ ናጽነተይ
ምሉእ ሰብ'የ ከኣ'ምበር….
ዜጋ፣ ሕቡን ሃገር
ለይትን መዓልትን- ሓጋይን ክረምትን
እትቐውም ሰፈር… ሰፈር መፈጠር
ናጻ'የ፣ ሳላ ናጽነተይ
ናጻ'የ፣ ሳላ መስዋእተይ
ናጻ'ወ ብህይወተይ
ናጻ'ውን ኣብ ሞተይ!
ስዒድ ሳልሕ
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem