ኣነን መስትያትን
ንግሆ ንግሆ
እንጠማመቶ
ካበይ ዝመጸአ መልሲ
ንዝቐረበ ሕቶ፡
ይጠመተኒ እሞ
መሊሰ ከኣ እጥምቶ
ነገር ዕብዳን'ዶ ይኸውን
ወይስ ልቢ ዝመልስ ቁም ነገር
ግዳ…
ኣብ ገጽ መስትያት ዝንበረ ደሮና
ብዓለባ ጨርቀይ
ድርዝ እንተበልኩዎ
ሕብራ ቀይሩዎ
ጽልእ ኣቢለዮ መስትያት
መን እዩ'ኸ ኣርሲሑዎ?
ሕስብ ኣቢለ…
ነቲ ጽሬት ደለየ'ዮ
ርስሓት ከኣ ጸሊአዮ
እሞ'ኸ ደኣ
ብጸሊም ጨርቂ'ዶ ሕልፍ ክብሎ
ስትር ኣቢሉ ርስሓተይ ከግዕዞ
ኣነ እንተዝጸሪ
መስትያተይ ነዚ'ዶ ጽይሩዎ
እንትርፎ ክኩሓለሉ
ዘይኰሓልኩዎ
ነብሰይ ምግታር ኣብ ቅድሚ መስትያተይ
መዓስ'ሞ ሓዲገዮ
እንታይ'ከ ይጎድለኒ ሕልፍ እንተበልኩዎ?
ስዒድ ሳልሕ
04-03-2011
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem