ንዒ'ሞ ምጽኢ!
ኣሕሊፈዮ! ዓመት መመላእታ
ቁኒን ኣብ ትዝታ
ዝኽሪ ምስ ሃንቀውታ…
ኣብቲ ገለ እዋን
እወርድ ናብ ሕሉፍ፣
ሕሉፍ ተናፋቒ
ናብ ዘይፈልጦ ድሕሪት፣
ክንዮ ደረት ትርኢት
ራሕቁ'ውን ዘይግመት
ደሓር ከኣ እምለስ
ብሎሚ እሓስበኪ
ሎሚ ክንዲ ኹሉ
እንታይ ንምዃን ኢሉ
ንሱ'ውን እንእሰኒ
ናብ ጽባሕ የብል
ናብ ዘየፈልጣ መዓልቲ
ዘየለልያ ጸሓይ
ዘይገልጾ ወቕቲ
ሓዲኡ ክኸውን፣ ንዕኒ'ሞ ምጽኢ!
ስዒድ ሳልሕ
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem