"ክትመጽእ'ያ ኢሎማ! "
ክትመጽእ'ያ ኢሎማ….
ኣብ ዝኸደቶ ዓዲ ፍቕሪ ዝዘረአት
ንዝረገጸቶ መገዲ ተስፋ ዘፈልፈለት
ኩነኔ ክርሕቃ ሩሓ ዝመጠወት
ንውርውር ዳርባታት ማእገራ እናሃበት
ንዓይ፣ መስኪን ፍጥረት
"ዝዩስ" ኮይና
ብዘይ ንሕፈት
ካብ ከብሕታት ውሽጣ "ፍቕሪ" ዝሃበት
ድሕሪ'ቲ ነዊሕ ጉዕዞ
መገሻ ጾም ኣማኒ
ክትመጽእ'ያ ኢሎማ
"ፋሲካ" ምድሪ
ስዒድ ሳልሕ
23/03/2006
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem