ከይደ'ለኹ-ከይበልክኒ!
ኣንፈትን መገድን ክልተ ሓደ
ውሽጥን ግዳምን ምስ ተዛመደ
ሓሳብን ቀልብን ምስ ተወሃሃደ
ምዃኑ
መርሚረ ፈሊጠ
ውሽጥኪ ምርሓቑ
ኣጋውላኺ ምስ ተዓዘብኩ
ከይደ'ለኹ
ኪድ ከይበልክኒ
ድሕሪ ደጊም እንታይ ዘጸቢ ኣሎኒ
ግዳ ነገር ፍቕሪ፣
ሕሉፍ ከም ዘይብለል
ብዝኽሩ እንተቐለብኩ
ምስ ተማሃርኩ
እምርቕኪ ኣለኹ
ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትበቆል ከይበልኩ
ዝሃብክኒ ጣዕሙ እናዘከርኩ፡
ከይደልኪ'ለኹ
ኪድ ከይተባሃልኩ!
ስዒድ ሳልሕ
24\2/2013
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem