ክንደይ መጻኢ'ሎ?
እንታይ'የ ክኸውን?
እንታይ'ከ ኢኺ ክትኮኒ?
ኣነ ክሓስብ ብኣኺ፣ ንስኺ ክትሓስቢ ብኣይ
ኣነ ኣብዛ በይነይ፣ ንስኺ'ውን ከማይ
ሰብ ብምዃንና ዘይርኹብ ረኻባይ
ክንደይ መጻኢ ኣሎ? ልንደይ ዳሕራይ
ዘይመጽእ መጻኢ …ዘይርአ ራእይ
እዋእ! ንዓኺ ክሓልም
ያኢ! ዋሕሊለሉ'ስ ብኣኺ ብምሕሳበይ ክልብም? !
ክንደይ ወጠጥ ኣሎ በጃኺ ኢለኪ?
ደለ' ይኹን እምበር ብኣይ ዘይሓሰብኩ ክሓስብ ብኣኺ
እንታይ'የ ዝንጨዖ
ካበይ'ከ እየ ዝረኽቦ?
ክንደይ እዋን ኣሎ ምሕሳብ ብመጻኢ
ንዘይመጽእ መጻኢ፣ ምሕላም ብመጻኢ!
ስዒድ ሳልሕ
06-01-2011
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem