ሳላ'ተን ምቁራት ቃላት
ትማል ለይቲ…
ሳላ'ተን ምቁራት ቃላት
እክብ ምስ በላ ቀለማት…
ድምር ኣቢልኪ ዘቆምክየን ሓሳባት….
ኪንዪ ሰላምታ እኳ ዘይሓለፋ
ንናፍቆት ዝጥምታ…
እንትርፎ ናፊቀካ
ዘይነበረን መምልእታ
ኣቤት ዝሓደርክዎ!
ጸላም ይፈልጦ ባዕሉ ከውታ
ቅሳነት ተርኺቡ…
ልበይ ወሪድዎ ዝግታ
መንፈሰይ'ዚ ተሃዋሲ…
ኣስተርሕዩ ውዒሉ ረኺቡ ሩፍታ
መዕቀን ልበይ…ናታ መሰታ
ሳላ'ተን ምቁራት ቃላትኪ'የ ዝብለኪ!
ነዛ ልበይ ሕማማ ከም ዘይነበርኪ
ትማሊ ምሸት ኰይንኪ መድሃኒታ …
ስዒድ ሳልሕ
21-10-2010
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem