"ዋርድያ ልቢ! "
ካብ ኮፍ ኢልካ ምውዓል ቁሩብ ‘ተወር' ምባል
ከምኡ ይሕሸካ ‘ዋርድያ ልቢ' ምዃን
ኢልክኒ ስራሕ ንምጅማር
ባዕለይ ክረኽበልካ፣ ኩን ፍቓደኛ
ተሰማሚዕና ውዕል እምነት
ልበይ ሓዲገ ከኣ ሓለዋ ልቢ ጀሚረ………
ኣቤት! ክኸፍእ ልቢ ክትሕሉዋ፣ ካብ ተመኩሮታት ዋርድያ'ዩ እዚ)
ወዮ! ልቢ ካብ ምሕላዋ በዚሑ ምርራዋ
ልበይ ከኣ ተግዲዓ ስራሕ በዚሕዋ
ንዕኣ ከኣ ጀሚረላ ሓለዋ ‚
(ልቢ ክሕሉ ወቕዒ ልቢ ምስ ኣጥረኹ ማለት'ዩ!) ‛
ሽዑ ስኢነኪ……
ናበይ ከም ዘበልኪ
ኣይዯደሞዝ ኣይምስጋና እነሀለኹልኪ
ልቢ እንዳማተይ ክሕሉ
ዋይ ከምዝፈራህኩዎ
ተወዝ ምባል ተሪፉ
ልበይ ዓዲ ውዒል ኮይኑ!
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem