Wardiya Libi Poem by Seid Saleh

Wardiya Libi

Rating: 0.5

"ዋርድያ ልቢ! "
ካብ ኮፍ ኢልካ ምውዓል ቁሩብ ‘ተወር' ምባል
ከምኡ ይሕሸካ ‘ዋርድያ ልቢ' ምዃን
ኢልክኒ ስራሕ ንምጅማር
ባዕለይ ክረኽበልካ፣ ኩን ፍቓደኛ
ተሰማሚዕና ውዕል እምነት
ልበይ ሓዲገ ከኣ ሓለዋ ልቢ ጀሚረ………
ኣቤት! ክኸፍእ ልቢ ክትሕሉዋ፣ ካብ ተመኩሮታት ዋርድያ'ዩ እዚ)
ወዮ! ልቢ ካብ ምሕላዋ በዚሑ ምርራዋ
ልበይ ከኣ ተግዲዓ ስራሕ በዚሕዋ
ንዕኣ ከኣ ጀሚረላ ሓለዋ ‚
(ልቢ ክሕሉ ወቕዒ ልቢ ምስ ኣጥረኹ ማለት'ዩ!) ‛
ሽዑ ስኢነኪ……
ናበይ ከም ዘበልኪ
ኣይዯደሞዝ ኣይምስጋና እነሀለኹልኪ
ልቢ እንዳማተይ ክሕሉ
ዋይ ከምዝፈራህኩዎ
ተወዝ ምባል ተሪፉ
ልበይ ዓዲ ውዒል ኮይኑ!

POET'S NOTES ABOUT THE POEM
ብዛዕባ ሓደ ዋርድያ ልቢ ተዘንቱ
COMMENTS OF THE POEM
READ THIS POEM IN OTHER LANGUAGES
Seid Saleh

Seid Saleh

Asmara, Eritrea
Close
Error Success