ይዝራእ'ዩ - ብርሃን! Poem by Seid S.Yosuf

ይዝራእ'ዩ - ብርሃን!

ይዝራእ'ዩ - ብርሃን!
ከም ተኽሊ - ብዘርኢ፡
ይዝራእ'ዩ - ብርሃን፣
ብስጋ ብነብሲ
ደም እናሰተየ፣ ይዂስኰስ ይዓቢ
ይዝራእ'ወ ይፈልስ
ይጽድቕ፣ ይጥሕስስ
ብርሃን ከኣ ይፈሪ።
ከምኡ'ዩ ብርሃን ዛ'ዓዲ
ዛ'ኤርትራ
ሳላ ሰማእቲ፣
ባዕሉ ዘርኢ፣
ባዕሉ ፈልሲ
ብርሃን ዘሪኡላ፣ ብርሃን ዓቢ።
ጠጢዑላ...
ኣጉላዕሊዑ፡
ኣብ ሰማይ፣ ኣብ ምድሪ
ሳላ ሕልሙን ባህጉን
ሳላ ሓልዮቱን ፍቕሩን
ሳላ ደሙን ዓጽሙን
እንሆ'ለ ብርሃኑ
ዓይንና ልብናን
ይርእየሉ
እንሆ'ለ እኳ ንጸውየሉ!

ይዝራእ'ዩ - ብርሃን!
COMMENTS OF THE POEM
READ THIS POEM IN OTHER LANGUAGES
Seid S.Yosuf

Seid S.Yosuf

Asmara
Close
Error Success