'ቃል ኢኺ! ' Poem by Seid S.Yosuf

'ቃል ኢኺ! '

እንታይ'የ ክብለልኪ'የ
ዝብል...
ብፊደላት-ቃላት
ኩሉንትናኺ ብዝገልጹ ኣምራት፡
ክገልጾ እምነ፥

ግዳ ልዕሊ ቃላተይ
ልዕሊ ሓሳባተይ
ኰይንክኒ፡
እንታይ'ለ ክብለልኪ
ከመይ ክገልጸኪ? !
ኣብቲ ዝስኣልኩዎ
ናይ ትምኒተይ ቅብኣታት
ክውን ንዘይኰን - ኣብ ክውን ምምስራት
ምዃኑ ተማሃረሉ'ለኹ።

ቃል ኢኺ ባዕልኺ
ስዉር ዝምስጢሩ
ስውር ዝሓይሉ
ስውር ዝምፍጣሩ
ዝድመጽ ዘይጽወር
ዘንተ-እለት እናሻዕ ዝትርጎም
ብሓድሽ ሓሳቢ፡ ብሓድሽ ቀለም

ከምኡ'ንስኺ ትርጉም መዋእላት!

ስዒድ ሳልሕ

30/04/2016

Saturday, July 4, 2020
Topic(s) of this poem: word
COMMENTS OF THE POEM
READ THIS POEM IN OTHER LANGUAGES
Seid S.Yosuf

Seid S.Yosuf

Asmara
Close
Error Success