እንታይ'የ ክብለልኪ'የ
ዝብል...
ብፊደላት-ቃላት
ኩሉንትናኺ ብዝገልጹ ኣምራት፡
ክገልጾ እምነ፥
ግዳ ልዕሊ ቃላተይ
ልዕሊ ሓሳባተይ
ኰይንክኒ፡
እንታይ'ለ ክብለልኪ
ከመይ ክገልጸኪ? !
ኣብቲ ዝስኣልኩዎ
ናይ ትምኒተይ ቅብኣታት
ክውን ንዘይኰን - ኣብ ክውን ምምስራት
ምዃኑ ተማሃረሉ'ለኹ።
ቃል ኢኺ ባዕልኺ
ስዉር ዝምስጢሩ
ስውር ዝሓይሉ
ስውር ዝምፍጣሩ
ዝድመጽ ዘይጽወር
ዘንተ-እለት እናሻዕ ዝትርጎም
ብሓድሽ ሓሳቢ፡ ብሓድሽ ቀለም
ከምኡ'ንስኺ ትርጉም መዋእላት!
ስዒድ ሳልሕ
30/04/2016
This poem has not been translated into any other language yet.
I would like to translate this poem