ንሞት! Poem by Seid S.Yosuf

ንሞት!

እናረኣኹ እናሰማዕኩ
እሞ ኸኣ ንሞት? !
እናሓሰብኩ እናዛመድኩ
እሞ ኸኣ ንሞት? !
ንሕልፈት ንቕብጸት? ?
ኣይደነላን'የ፣ ኣይሰግደላን፣
ኣይፍገምን'የ'ታ! '
ብዝኽእሎ እገጥም፣
ብድሎ ብቓጻ
ብሕልኮ ብወስታ፣
እጠማጠም'ምበር…
ንሞት! እሞ ኸኣ ንሕልፈት
ክብሪ ብዘይ ክብረት
ኣይሰግደላን፣ ኣይፍገምን፣
ኣይምብርከኽን'የ'ታ!
ክነብር'የ ክቃለሰ
ንህይወት ብምልእታ
ምስ ክብርን ክብረታን
እምበር
ንሞት-ንሕልፈት-ንቕብጸት
ኣይደነላን'የ
ዘንተ እለት!


ስዒድ ሳልሕ
29/07/2011

Saturday, July 4, 2020
Topic(s) of this poem: death
COMMENTS OF THE POEM
READ THIS POEM IN OTHER LANGUAGES
Seid S.Yosuf

Seid S.Yosuf

Asmara
Close
Error Success